Uitlegvideo passend onderwijs voor ouders (Tigrinya)

*ኣብ ድሕሪት ሙዚቃ ይጻወት* ሊዛ ቀሪባ። Lisa: ሰላም ሊዛ እበሃል። ጓለይ ግቡእ ትምህርቲ ትረክብ። ኣብ ስክሪን ዝረአ ጽሑፍ፤ ሊዛ ግቡእ ትምህርቲ Lisa: ከም ወላዲት ግቡእ ትምህርቲ እትረክብ ቆልዓ፣ ምስ ብዙሕ ነገር ክትገጥም ክትግደድ ትኽእል። ኣብ ድሕሪት ብድሕሪ ሊዛ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ይረኣዩ። Lisa: ገለ ካብኡ ኣብዛ ቪድዮ ክገልጾ ክፍትን እየ። ብዙሕ ከም ዝኸውን ይፈልጥ እየ መብዛሕትኡ ግዜ ኣጸጋሚ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። ድሕሪ ምርኣይ እዛ ቪድዮ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተደሊኹም ናብ ቤት ትምህርቲ ውላድኩም... ወይ ኣብ ዞባኹም ንዝርከብ ማእከል ደገፍ ወለድን መንእሰያትን ፍሉይ ትምህርቲ ኣመልክቱ። ኣብ ስክሪን ዝረአ ጽሑፍ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ > ኣብ ቤት ትምህርቲ ውላድኩም > ማእከል ደገፍ ወለድን መንእሰያትን ኣብ ዞባኹም ንዝርከብ ግቡእ ትምህርቲ > www.rijksoverheid.nl/passendonderwijs Lisa: ግቡእ ትምህርቲ ንወለዲ ዝኸውን ሓበሬታ ኣብ ስክሪን ዝረአ ጽሑፍ፡ ግቡእ ትምህርቲ ንወለዲ ዝኸውን ሓበሬታ Lisa: ኩሉ ቆልዓ ናይ ትምህርቲ መሰል ኣለዎ፣ ናትኩም እውን ከምኡ። ኣብ ስክሪን ዝረአ ጽሑፍ፡ ውላድኩም እዞም ዝስዕቡ ኣለዎ ድዩ፡ > ዲስለክሲክ > ጸገም ምትኳር > ናይ ምርኣይ፣ ምዝራብ ወይ ምስማዕ ጸገም > ናይ ኣእምሮ ውህብቶ > ካልእ? Lisa: ውላድኩም ዲስለክሲክ ኣለዎ ድዩ ወይስ ንምትኳር ይሽገር ድዩ? ናይ ምርኣይ፣ ምዝራብ ወይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎ ድዩ? ወይስ ናይ ኣእምሮ ውህብቶ ዘለዎ ድዩ? እቲ ዅነታት ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፣ ውላድኩም እውን ንዓኣቶም ዝምጥን ትምህርቲ ክረኽቡ መሰል ኣለዎም። እዚ እዩ ከኣ 'ግቡእ ትምህርቲ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ። ኣብ ስክሪን ዝረአ ጽሑፍ፡ ግቡእ ትምህርቲ Lisa: ኣብያተ ትምህርቲ ግቡእ ትምህርቲ ክህባ ኣለወን። ናቶም 'ሓልዮት ግዴታ' ዝበሃል እዩ። ኣብ ስክሪን ዝረአ ጽሑፍ፡ ናይ ሓልዮት ግዴታ Lisa: እዚ ናይ ሓልዮት ግዴታ ካብታ ንውላድኩም ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ካብ ዘመዝገብኩምሉ ህሞት እዩ ዝጅምር። እዚ ቅድሚ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ትምህርቲ ውላድኩም ሓያሎ ሰሙናት ኣቐዲሙ ክኸውን ይኽእል እዩ። ውላድኩም ኣብ ቤት ትምህርቲ ክተመዝግቡ ከለኹም፣ ብዙሕ ሕቶታት ክትሕተቱ ኢኹም። እቲ ቤት ትምህርቲ መልስታትኩም ተጠቒሙ ውላድኩም ብግቡእ ከም ዝቕመጥ የረጋግጽ... ከምኡ’ውን ዘድልዮ ደገፍ ክረክብ እዩ። እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ካልእ ቦታ ሓበሬታ ንምርካብ ፍቓድ ክሓተኩም ይኽእል እዩ። ንነፍሲ ወከፍ ሕቶ ክትምልሱ ወይ ፍቓድ ንምሃብ ግዴታ የብልኩምን። እንታይ ከም እትደልዩ ሕሰቡ። እቲ ቤት ትምህርቲ ዝያዳ መብርሂ ንኽህብ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ውላድኩም ተወሳኺ ሓገዝ የድልዮ እዩ ኢልኩም እንድሕር ደኣ ሓሲብኩም፣ ምስ ኣመዝገብኩሞ ነቲ ቤት ትምህርቲ ኣፍልጡዎ። እቲ ቤት ትምህርቲ ብሰንኪ እዚ ንውላድኩም ክኣቢ ኣይክእልን እዩ። እቲ ቆልዓ ምስ ተመዝገበ እቲ ቤት ትምህርቲ ካብ 6 ክሳብ 10 ሰሙን ወሲዱ... ውላድኩም እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ዘድልዮ ንምምርማር፣ ከምኡ’ውን ባዕሉ ክህቦ ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ንምምርማር። እንተዘይክኢሉ እቲ ቤት ትምህርቲ ካልእ ክህቦ ዝኽእል ቤት ትምህርቲ ንምርካብ ክሕግዘኩም ኣለዎ። እዚ በይንኹም ክትገብሩዎ ኣየድልየኩምን እዩ። ውላድኩም ኣብ ቤት ትምህርቲ ድዩ ዘሎ ከምኡ ውን ተወሳኺ ሓገዝ ወይ ደገፍ የድልዮ ድዩ... እቲ ቤት ትምህርቲ ነዚ ናይ ምሃብ ግዴታ ኣለዎ። ነዚ ዝኸውን ውጥን ክሕንጽጽ ይኽእል እዩ። እዚ ከኣ 'Ontwikkelingsperspectief' ይበሃል። ኣብ ስክሪን ዝረአ ጽሑፍ፡ Ontwikkelingsperspectief Lisa: እዚ ትልሚ ዕብየት ክልተ ባእታታት ኣለዎ፡ እቲ ናይ ምክትታል ፕሮፋይልን እቲ ግብራዊ ክፋልን። ኣብ ስክሪን ዝረአ ጽሑፍ፡ Ontwikkelingsperspectief > ናይ ምክትታል ፕሮፋይል > ግብራዊ ክፋል Lisa: እቲ ናይ ምክትታል ፕሮፋይል ውላድኩም ነዚ ትምህርቲ ምስ ወድአ እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ይገልጽ። እቲ ግብራዊ ክፋል ውላድኩም ዝረኽቦ ሓገዝ ይገልጽ። ንስኹምን ቤት ትምህርትን ኣብዚ ክትሰማምዑ ኣለኩም። 'ፍቓድ ናይ ምሃብ' መሰል ኣለኩም። ኣብ ስክሪን ዝረአ ጽሑፍ፡ ፍቓድ ናይ ምሃብ መሰል Lisa: እቲ ቤት ትምህርቲ ትሕዝቶ Ontwikkelingsperspectief ከርእየኩም ኣለዎ። እቲ ቤት ትምህርቲ ንውላድኩም ክሕግዞ እንተዘይክኢሉ ንነብሱ ‘ክሰርሕ ዓቕሚ ከም ዘይብሉ’ ይእውጅ። ኣብ ስክሪን ዝረአ ጽሑፍ፡ ክሰርሕ ዓቕሚ ዘይብሉ Lisa: ሽዑ እውን እንተኾነ ግን፣ እቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ክንክን ግቡኡ ይዕቅብ። ሕጂ ውን ምስ ድሌታት ውላድኩም ዝሰማማዕ ቤት ትምህርቲ ንምርካብ ክሕግዘኩም ኣለዎ። እዚ Speciaal Onderwijs ወይ Speciaal Basisonderwijs ቤት ትምህርቲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ስክሪን ዝረአ ጽሑፍ፡ Speciaal Basisonderwijs > ቐሊል ናይ ትምህርቲ ጸገም ንዘለዎም ህጻናት > ኣናእሽቱ ክፍልታት > ተወሳኺ ድጋፍ > ተማሃሮ ከምቲ ኣብ ስሩዕ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዝግበር ተመሳሳሊ ነገራት ይመሃሩ Lisa: Speciaal Basisonderwijs ንቐሊል ናይ ትምህርቲ ጸገም ንዘለዎም ህጻናት ዝኸውን እዩ... ከም ናይ ምትኳር ጉዳያት ዝኣመሰሉ። ክፍልታት ንእሽቶ ክኸውንን ተወሳኺ ደገፍ ይወሃብን እዩ። ተማሃሮ እውን ከምቲ ኣብ ስሩዕ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዝግበር ተመሳሳሊ ነገራት ይመሃሩ። ኣብ ስክሪን ዝረአ ጽሑፍ፡ Speciaal Onderwijs > ከቢድ ናይ ትምህርቲ ጸገማት ንዘለዎም ህጻናት > ናይ ባህሪ ጸገማት > ምስማዕ፣ ምርኣይ ወይ ምዝራብ ንዝሽገሩ ህጻናት Lisa: Speciaal Onderwijs ንከቢድ ናይ ትምህርቲ ወይ ናይ ባህሪ ጸገማት ንዘለዎም ህጻናት ዝኾን እዩ... ከምኡ’ውን ዝኾነ ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም ህጻናት። ክልቲኦም Speciaal Onderwijsን Speciaal Basisonderwijsን... 'Toelaatbaarheidsverklaring' ዝበሃል ይጠልቡ። ኣብ ስክሪን ዝረአ ጽሑፍ፡ Toelaatbaarheidsverklaring Lisa: ነዚ ድማ እቲ ቤት ትምህርቲ ናብ Samenwerkingsverband የመልክት።     ኣብ ስክሪን ዝረአ ጽሑፍ፡ Samenwerkingsverband Lisa: እዚ ሽርክነት ናይተን ኣብ ዞባኹም ግቡእ ትምህርቲ ዝህባ ኣብያተ ትምህርቲ እዩ። ብዘይካ እዚ መግለጺ እዚ እቲ ቤት ትምህርቲ ንውላድኩም ክምዝግቦ ኣይክእልን እዩ። ነቲ ናይ ሽርክነት ውሳነ እንተዘይተሰማሚዕኩም ኣብዚ ክትቃወምዎ ትኽእሉ ኢኹም። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ Onderwijsgeschillen.nl. ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ስክሪን ዝረአ ጽሑፍ፡ www.onderwijsgeschillen.nl Lisa: ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ምስግጋር ውላድኩም ናብ ወይ ካብ ፍሉይ ትምህርቲ ምስቲ ቤት ትምህርቲ ተዛተዩ። ውላድኩም ቤት ትምህርቲ ክቕይር ከም ዘለዎ ስለምንታይ እዩ ዝስምዓኩም፣ ወይ ስለምንታይ እዚ ትደልዩ? ንውላድኩም ንምሕጋዝ ኩሉ ተፈቲኑ ድዩ? ኣብዚ ስጉምቲ ክልቴኹም ትሰማምዑ ዶ? ክልቲኦም ወገናት ክሰማምዑ እንተኽኢሎም፣ ብጣዕሚ ዘረጋግእ እዩ። ሓበሬታይ ሓጋዚ ኮይኑ ረኺብኩሞ ክትኮኑ ተስፋ እገብር። ኣብ ስክሪን ዝረአ ጽሑፍ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ > ኣብ ቤት ትምህርቲ ውላድኩም > ማእከል ደገፍ ወለድን መንእሰያትን ኣብ ዞባኹም ንዝርከብ ግቡእ ትምህርቲ > www.rijksoverheid.nl/passendonderwijs Lisa: ብዛዕባ ግቡእ ትምህርቲ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ቤት ትምህርቲ ውላድኩም ኣመልክቱ... ኣብ ዞባኹም ንዝርከብ ግቡእ ትምህርቲ ዝሕግዝ ማእከል... ወይ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ Rijksoverheid.nl ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ ባህልን ሳይንስን... ፍርያት መንግስቲ ሆላንድ ናይ ስላይድ ጽሑፍ ምስ ዝስዕብ ይመጽእ፡ ኣርማ መንግስቲ ሆላንድ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ ባህልን ሳይንስን ጽሑፍ፡ ፍርያት መንግስቲ ሆላንድ   *ኣብ ድሕሪት ሙዚቃ ይጻወት*